እዛ ናይ ፕሮፈሰር በረኸት ሃብተስላሰ ኣዝያ ብልጽቲ ዝኾነት መዘክር፡ ንናይ ሓደ ኣብ መንጎ ክልተ ዝተፈላለዩ ጫፋት ናይ ዓለም፡ ማለት ሓደ ገስጋሲ ናይ ሕጊ ሊቅ ኣብ ‘ታ ብሃጸይ (ሃይለስላሰ) እትመሓደር ዝነበረት መስፍናዊት ናይ ኢትዮጵያ ስርዓተ መንግስቲ፡ ከም ልዑል በዓል ስልጣን ኮይኑ ፍትሒ ንምንዳይ ናይ ዝተቓለሰ ምሁር እትትርኽ ጽሕፍቲ ‘ያ።
ኣብ ርእሲ ‘ዚ፡ እዛ ጽሕፍቲ ታሪኽ ናይ ‘ቲ ካብ ውሽጣዊ ሕልንኡ ተደሪኹ ኣብ ኣዝዮም ኣገደስቲ ዝኾኑ ፍጻሜታትን ምዕባለታትን ናይ ኢትዮጵያ ይኹን ናይ ኤርትራ ከምኡ ‘ውን ኣብ መላእ ኣፍሪቃ ጽልዋታቱ ንምስራጽ እጃሙ ናይ ዘበርከተ ክኢላ ታሪኽ ‘ያ።
በረኸት ሃብተስላሰ ኣዝዩ ፍሉጥ ዝኾነ ምሁር (Academic)፡ ተኸታሊ ኣፍሪቃዊ ምልኣት (Pan Africanist)፡ ሃገራዊ ተቓላሲ፡ ናይ ሕጊ ክኢላን ፖለቲከኛን ኮይኑ፡ ኣብ ‘ዛ መጽሓፍ – ትራኸኡ ኣብ ውሽጢ ሓምሳ ዓመታት ኣብ ኣፍሪቃ ናይ ዝነበሩ ህዝብታትን ፍጻመታትን ብኣዝዩ ዘደንቕን መሳጥን ዝኾነ ቅዲ ኣቕሪቡልና ኣሎ።
ፕሮፈሰር በረኸት ናይ ኩሉ ወቕትታት ሰብ ኮይኑ፡ ንናይ ሃጸይ ሃይለስላሰ ናይ ቤት ፍርዲ ማሕለኻታት ዝሰገረ፡ ኣብ ሓምሳታትን ስሳታትን ኣብ ምምስራት ናይ ኣፍሪቃዊ ምልኣት ግዲኡ ዘበርከተ፡ ንወተሃደራዊ ጉጅለ ደርግ ተቓዊሙ ንስክላ ካብ ሞት ዘምለጠ፡ ነጻነት ናይ ኤርትራ ክዉን ንምግባር ናብ ገድሊ ዝተጸንበረን ነታ ዝቖመት ሓዳስ ሃገረ ኤርትራ ድማ ቅዋም ኣብ ምድላው ከም ኣቦ መንበር ኮይኑ ዝመርሐን ‘ዩ።
ናይ ኣፍሪቃና ዘመናዊ ታሪኽ፡ ብዘይ ግቡእ ኣፍልጦን ተሳታፍነትን ናይ ኣፍሪቃውያን ክኢላታትን ሰውራውያን ተቓለስትን ምሉእ ኣምበይ ምኾነን። ፕሮፈሰር በረኸት ‘ውን ተርኡ ከም ዘጉልሖ፡ በቶም ዘበርከቶም ዝተፈላለዩ ዓበይቲ ዕማማት – ከም ጸሓፊ፡ ከም ፖለቲከኛን ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላትን ሓደ ካብ ‘ቶም ዓበይቲ ሰውራውያን መራሕቲ ‘ዩ። በረኸት መላእ ሂወቱ፡ ከም ኣቦ ስድራን ልዑል ተመራማርን ኮይኑ ‘ዩ ሓሊፍዎ።
