ቶማስ ፐይን እቲ ኣድማሳዊ ፍጡር

እቲ ብሰብኣውነት ዝተመልአ፡ ብገለ ሰባት ብኣሕጽሮት ቶም ተባሂሉ ዝጽዋዕ ቶማስ ፐይን፡ ናይ ኩሉ ወቕትታትን ናይ ኩለን ክፍለ ዓለማትን ሰብ ምዃኑ ኣረጋጊጹ ‘ዩ። እዞም ብሉጻት ዝኾኑ ባህርያት ድማ፡ ኣብ ‘ዛ ሕጂ ጸጉ ፍስሃየ ተርጊምዋ ዘሎ – ኣብ 1776 ኣብ ፊላደልፍያ ዝተሓትመት – ውህሉል ልቦና – (Common Sense) እትብል ናይ ቶማስ ፐይን ታሪኻዊት መጽሓፍ ጎሊሖም ተራእዮም ኣለዉ። ኣብ ተመሳሳሊ እዋን፡ እታ ብቶማስ ጀፈርሰን ዝተጻሕፈት ናይ ኣሜሪካ ናይ ነጻነት ኣዋጅ (The American Decleration of Independence) እትብል ጽሕፍቲ ‘ውን ወጺኣ ነበረት። እታ ጸጋ ናይ ሃገራት (Wealth of Nations) እትብል ናይ ኣዳም ስሚዝ ጽሕፍቲ እንተ ኾነት ‘ውን፡ ኣብ ‘ቲ እዋን ‘ያ ተሓቲማ። ስለ ‘ዚ ንዓመተ 1776 ናይ ተኣምር ዓመት ኢልና ክንሰምያ ንኽእል ኢና።  

  እቲ ግዜ ‘ቲ፡ ኣብ መላእ ኣውሮፓ ንጡፍ ምንቅስቓስ ተኻይዱ ናይ ተሃድሶ መንፈስ ዝተዘርግሓሉ፡ ዘበነ መስፍንነት (ንግስነት) ተሳዒሩ፡ ዘበነ ዲሞክራሲ ዝጥጥዓሉ ዝነበረ መድረኽ እዩ ነይሩ። ገለ ሸሞንተ ዓሰርተታት ዓመታት ዝኸውን ኣቐዲሙ፡ ኣብ 1688 ናይ ዓዲ እንግሊዝ ሰውራ ነቲ ናይ ንግስነት ስልጣን ደሪቱ፡ ናብ ፓርልያሜንታዊ ስርዓት ተሰጋጊሩ ነበረ። ናይ ፈረንሳ ሰውራ ‘ውን ድሕሪ 12 ዓመት ኣብ 1789 ነቲ ጥንታዊ መንግስቲ ኣልጊሱ፡ ህዝባዊ ዝኾነ ረፑብሊክ መስሪቱ ነበረ። እዛ ናይ ቶማስ ታሪኻዊት ዝኾነት መጽሓፍ – ውህሉል ልቦና – ከም  እትሕብረና፡ ቶማስ ፐይን ውላድ ናይ ‘ቲ ኣብ ‘ቲ እዋን ዝነበረ ናይ ሰውራ ጥጅእ እዩ ነይሩ፡ ኣብ ‘ቲ ናይ ፈረንሳ ሰውራ ምስታፉን ከም መርኣያ  ናይ ኣገልግሎቱን ድማ፡ ላፋየት ነታ ናይ ባስቲል ቤት ማእሰርቲ መፍትሕ ከም መዘኻኸሪ ቅርሲ ክትኮኖ ባዕሉ ኣረኪብዎ።  

ቶማስ ፐይን፡ ብርግጽ ነቶም ኣብ ሓጋይ ናይ 1787 ነቲ ናይ ኣሜሪካ ቅዋም ንክነድፉ ኣብ ፊላደልፍያ ዝተኣከቡ፡ ነቶም  ዝካትዑሎም  ዝነበሩ ዓንቀጻት ጥረ ነገራት ንክቕርበሎም ዝሓለነ እዩ ዝመስል ዝነበረ። ናይ ጀፈርሰን ናይ ኣሜሪካ ናይ ነጻነት ኣዋጅ፡ ብናይ ኣጸሓሕፋ ልዑል ብቕዓትን ክእለት ብዝመልኦ ዋሕዝን ዝተመልአት ትኹን እምበር፡ ናይ ቶማስ ፐይን ውህሉል ልቦና ‘ውን ብናይ ክኢላዊ ምስትውዓል ዝተሰገደት፡ ብዛዕባ ምሕደራ ግብራዊ ርእይቶታት ዝሓዘለት፡ ነቶም ናይ ኣሜሪካ ቅዋም ነደፍቲ ኣዝያ ሓጋዚት እያ ነይራ። ብቕኑዕ መንገዲ ጠሚትካ፡ ናይ ጀፈርሰን ኣዋጅ ከም መቕድም ናይ ‘ቲ ድሕሪ ዓሰርተ ሓደ ዓመት ኣብ 1787 ዝሰዓበ ቅዋም ክቑጸር ይኽእል። እቲ ኣዋጅ ድማ ነዚ ዝስዕብ መግለጺ ኣውጺኡ፦  

“ነዞም ዝስዕቡ ሓቅታት ከም ግሉጻት መረድኢታት ንወስዶም፡ ንሶም ድማ ኩሎም ደቂ ሰባት ማዕረ ‘ዮም ተፈጢሮም፡ ካብ ፈጣሪ ዝተቐበልዎ ዘይሕደግ መሰል ኣለዎም፡ ኣብ መንጎ እዞም መሰላት ድማ ናይ ብሂወት ምንባር መሰል፡ ሓርነትን ፍስሃ ወ ሰላም  ምጉንጻፍን . . .“ 

እቲ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ቅዋምን እቶም ዝተገብሩ ገለ ገለ ምምሕያሻትን ድማ፡ ነቶም መሰላትን ናይ ደቂ ሰባት ሓርነትን፡ ከምኡ ‘ውን ነቲ ናይ መንግስቲ ስልጣንን ሓላፍነታትን ብዝርዝር ስጋ ኣልቢሶሞ። 

ነቲ ቶማስ ፐይን፡ ብዛዕባ ኣድማሳውነትን ብዛዕባ ናይ ኣሜሪካ መብጽዓ ዝነበሮ ሓሳብን ንምብራህ ሓደ ኣብነት ክጠቅስ ‘የ፡ ኣብ ውህሉል ልቦና ከም ‘ዚ ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ፦

“ጉዳይ ናይ ኣሜሪካ፡ ብኹሉ መዓቀኒኡ፡ ናይ ኩሎም ደቂ ሰባት ጉዳይ ‘ዩ። ኣብ ብዙሕ ጉዳያት ከባብያዊ ጥራሕ ዘይኮኑ፡ ኣድማሳዊ ዝኾኑ ጉዳያት ኣለዉን ክህልዉን እዮም። እዚኣቶም ድማ፡ በቶም ኣፍቀርቲ ናይ ኩሎም ደቂ ሰባት ዝኾኑ  መትከላት ኣቢሎም ዝትንከፉን፡ ኣብ ‘ቲ ድሌቶም ዝረጋገጸሉ ናይ ፍጻሜ ቦታ ዝገሃዱን ‘ዮም። ሓንቲ ሃገር ብሓውን ሴፍን ክትጸንት፡ ኣንጻር ናይ ኩሎም ደቂ ሰባት ናይ ተፈጥሮ መሰላት ኲናት ክእወጃ፡ እቶም ንነብሶም ዝከላኸሉ ሰባት ካብ ገጽ መሬት ክመሓዉ ክትርኢ፡ እቲ ጉዳይ ናይ ‘ቲ ኣብ ኩሉ ዓለም ዘሎ ፍጡር፡ ማለት እታ ተፈጥሮ ናይ ስምዒት ሓይሊ ዝሃበቶ ኩሉ ሰብ፡ ደርቡ ይኹን ፖለቲካዊ ጸግዑ ብዘየገድስ፡ እቲ ጉዳይ ናይ ኩሉ ወዲ ሰብ ጉዳይ ‘ዩ።” (ውህሉል ልቦና ገጽ 33 ናይ ‘ዚ ትርጉም)።

  ድሕሪ 190 ዓመት ማርቲን ሉተር ኪንግ ኣብ ‘ቲ ካብ ቤት ማእሰርቲ ናይ በርሚንግሃም ዝጸሓፎ ደብዳበ፡ ተመሳሳሊ ናይ ልቦና ቃላት ገሊጹ። “ፍትሒ ኣልቦነት ኣብ ዝኾነ ቦታ ምስ ዝገሃድ፡ ኣብ ዝኾነ ካልእ ቦታ ንፍትሒ ስግኣት ‘ዩ” ክብል ገሊጹ። 

ኣገዳስነት ቶማስ ፐይንን ስራሓቱን እዛ ብጸጉ ፍስሃየ ዝተተርጎመት ብልጽትን ፍሉይ ኣቓልቦ እትሓትትን ናይ ውህሉል ልቦና ናይ ትርጉም ስራሕ፡ ንሕትመት በቒዓ ቀሪባትልና ኣላ። እዛ ንከም ዲሞክራሲ ዝኣመሰሉ ሓሳባት፡ ከም ናይ ታሪኽ መእተዊ ንኽንግልገለሉ ንኽትሕግዘና ዝተተርጎመት፡ ብፍላይ ንዓና ንኤርትራውያን ኣብ ‘ቲ ኣብ ናይ ገዛእ ርእስና ዝግበር ዘሎ ጥምረ ተመኩሮ፡ ከም መወከሲ ኮይና ነብሰ-ገምጋም ኣብ ምግባር ክትሕግዘና ዓቢ ኣበርክቶ ክህልዋ ‘ዩ። እዛ ጽሕፍቲ ከም ውጽኢት ናይ ዘመነ ኣእምሮ (The Enlightenment) ኣብ ሕቶ ዲሞክራስን ልኡላውነትን ብፍላይ ድማ ኣብ ግዝኣታዊ ሓድነት ክትዓት ብምክያድ ዓሚቕ ዝኾነ ትምህርቲ ከተቕስመና ‘ያ። ኣብ ዘሎናዮ እዋን እንተ ኾነ ‘ውን፡ እቶም ክከላኸሉልና ዝግብኦም ዝነበሩ ደቂ ሃገር፡ ህዝቦም ከዲዖም ሃገር ኣብ ምዕናው ዝርከቡ ዘለዉ ውሽጣውያን ጸላእቲ፡ ብኸመይ ክንገጥሞም ከም ዘሎና ‘ውን ኣንፈት ከተትሕዘና ‘ያ።

ከም ናይ ዝተፈልየ ዘበን ውጽኢት ምዃና ‘ውን፡ ሓደ ሓደ ሕቶታት ዘልዕል፡ ሓቲትና ክንምልሶን ከነረጋግጾን ዝግብኣና፡ ምስ ‘ቲ ኣብ ‘ቲ እዋን ዓብላሊ ዝነበረ ናይ ክርስትና ሃይማኖት ዝዛዘወ ነጥብታት ‘ውን ኣለዋ። እንተ ኾነ፡ ብኣጠቓላሊ እዛ ጽሕፍቲ ኣዝያ ብልጽትን፡ ብኽእለትን ብምሉእ ዕግበትን እተተርጎመት ስራሕ ‘ያ። ኣብ ዝሓጸረ እዋን ክትሕተም ድማ ኣጥቢቐ እምሕጸን። ፕሮፌሰር በረኽት ሃብተስላሰ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *